ናይ ቪድዮ ሓበሬታ ብዛዕባ ኤፕለፕሲ
እዘን ዓሰርተ ቪድዮታት ንኣገዳሲ ዝኾነ ኣርእስቲ ኣብ ሕማም ኢፒለፕሲ የብርሃን ብተግባር ይገልጻን። እዘን ፊልምታት ብዓሰርተ ቃንቃታት ይርከባ፣ እቲ ዝጸሓፍ ድማ ከተጥፍኦን ክትውሉዖን ትኽእል።
ኣድላዊ: ስዊዛዊ ማሕበር ናይ ኢፒለፕሲ 2021።
ቃንቃታት ምልውዋጥ: ኣብ ላዕሊ ብጸጋም።
ኤፕለፕሲ እንታይ ማለት እዩ ?
ኢፕለፕሲ ንዝኾነ ከጋጥሞ ይኽእል።
ዓይነታት መጥቓዕቲ
መጥቃዕቲ ናይ ኢፒለፕሲ ዝተፈላለየ ገጻት ክህልዎም ይኽእል።
ናይ መጀመርታ ሓገዝ መጥቓዕቲ ምስ ዘጋጥም
ኣገዳሲ፣ ካብ ማህሰይቲ ተከላከለሉን ምስኡ ድማ ጽናሕ።
መተስኢ አፒለፕሲ
ኩሉ ግዜ ንምንታ መጥቃዕቲ ናይ ኢፒለፕሲ ኣጋጢሙ ንምርካቡ ቀሊል ኣይኮነን- ግን ከኣ መፍታሽ ዋጋ ይህልዎ።
ሕክምና ኢፒለፕሲ
ክልተ ካብ ሰለስተ ኢፒለፕሲ ካብ ዘለዎም ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ነጻ ኮይኖም ይነብሩ።
ኢፒለፕሲ ኣብ ሽማግለታት
ክሉ ግዜ ሽማግሌታት ሓዲሽ ኢፒለፕሲ የማዕብሉ።
ባህጊ ቆልዓ ምስ ኢፒለፕሲ
ምብዛሕትኦም ኢፒለፕሲ ዘለዎም ብዘይ ጸገም ቖልዑ ክህልዎም ይኽእል- ግን ጽቡቅ ጌርካ መደብ ምውጻእ ኣገዳሲ ይኸውን።
ኢፒለፕሲን ኣልኮሆልን
ውሑድ ዝኾነ መጠን ኣልኮሆል ንመብዛሕቶም ኢፒለፕሲ ዘለዎም ሰባት ጎዳኢ ኣይኮነን።
መኪና ምዝዋር ምስ ኢፒለፕሲ
ግዳያት ኢፒለፕሲ መኪና ክዝውሩ ዝክእሉ እንተ ድኣ መጥቃዕቲ ናይ ምግጣም ተክእሎ እዚዩ ጸቢብ እንትኾይኑ ጥራሕ እዩ።
ኮሮና-ቪርስን ኢፒለፕስን
ኮቪድ-19 ካብ ካልኦት ሰባት ብፍሉይ ንኢፒለፕሲ ዘለዎም ሓደገኛ ኣይኮነን፣ክታበት ድማ ይምከር።